ክታበት ኣንጻር ሰዓል/ኢንፍሉወንሳ ኣብ ቨስትማንላንድ

Vaccination mot influensa i Västmanland - tigrinskaThe content concerns Västmanland

ኣብ ጕጅለ ተነቀፍቲ/ተጠቃዕቲ ትስራዕ እንተድኣ ኰንካ ኣንጻር ወቕታዊ ሰዓል/ኢንፍሉወንሳ (säsongsinfluensan) ክታበት ክትወስድ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ብሕማም ሰዓል/ኢንፍሉወንሳ ወይ ድማ ብካልኦት ሳዕቤናት፡ንኣብነት ከም ነድሪ ሰናቡእ ዝኣመሰሉ ብኸቢድ ንከይትሓምም ክታበት ክትወስድ ኣሎካ።

ገለ ካብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣባኻ ዝረኣዩ እንተኾይኖም ክታበት ትወስድ: 

  • ዕድሜኻ 65 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ (1957 ዓ.ም. ወይ ቅድመኡ ዝተወልዱ )።
  • ኣብ መበል 12 ሰሙናት ጥንሲ ወይ ድሕረኡ እትርከብ።
  • ቅድሚ 12 ሰሙናት ጥንሲ ምስ ዝህሉን እሞ ገለ ካብዞም ነጥብታት ኣባኺ ዝረኣዩ እንተኾይኖም።
  • ምስ ነብሰ-ብይንነቱ ኣዝዩ ለጠቕ ዝበለ ሰብ ትቕመጥ እንተኾንካ።
  • ካብዞም ዝስዕቡ ሕማማት ወይ ኵነታት እንተድኣ ሃልዮምኻ:
    • ሕዱር ሕማም ልቢ
    • ሕዱር ሕማም ሰናቡእ (KOL) ወይ ኣዝማ
    • ካልኦት ናብ ድኽመት መስርሕ ሰናቡእን ንምስዓል ናብ ዘጸግሙ ኵነታት ዘምርሑን
    • ሕዱር ድኽመት ጸላም ከብድን-ወይ ድማ ኮላሊትን
    • ብዝሒ ሽኰር ኣብ ደም
    • ብሰንኪ ምውሳድ መድሃኒት ኣዝዩ ትሑት ነብሰ-ብይንነት ምስ ዝህሉ

ኣንጻር ሰዓልን/ኢንፍሉወንሳን ኮቪድ-19 ብሓንሳብ ክታበት ውሰድ

ኣንጻር እዚ ወቕታዊ ሰዓል/ኢንፍሉወንሳ ክትበት ኣብ እትወስደሉ ግዜ፡ኣንጻር ኮቪድ-19 እውን ተኸተብ። ኣብቲ ቦታ ክታበት ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክልተኡ ክታበታት ክህቡኻ ዝከኣል እንተኾይኑ ተዘራረብ።

ክታበት ምውሳድ ክንደይ እዩ ዋጋኡ?

ኣብ ጕጅለ ተንቀፍቲ/ተጠቃዕቲ ንዝርከቡ ሰባት እቲ ክታበት ብናጻ እዩ ዝወሃብ። ኣብቶም ዝተጠቕሱ ጕጅለ ንዘይኮኑ ግን እቲ ክታበት 262 kr እዩ ዝኽፈሎ።

To the top of the page