መምርሕታትን መሰላትን

መዝገብ-ተሓካማይ

Patientjournalen - tigrinskaThe content concerns Västerbotten

Läs texten på svenska här

ንኽትሕከም ናብ ክንክን-ሕማም ምስ መጻእካ፤ መዝገብ-ተሓካማይ ይዳለወልካ እዩ። እቲ ቀንዲ ናይ መዝገብ-ተሓካማይ ዕላማ ድማ፤ እቲ ብሰራሕተኛታት ክንክን-ሕማም ዚገበረልካ ሕክምና፤ ብግቡእ ንኽምዝገብ ተባሂሉ እዩ። እዚ መዝገብ-ተሓካማይ ድማ፤ ከም ምንጪ ናይ ሓበሬታታት ኰይኑ፤ ኣብቲ ጉዕዞ ሕክምናኻ፡ ምሳኻ ክስዕበካ እዩ። እዚ መዝገብ-ተሓካማይ ውን ብተወሳኺ፤ ንስኻ ኣብቲ ናትካ ክንክን-ሕማም ብዝለዓለ ደረጃ ተዋሳኢ ንኽትከውን ዘኽእል፤ ናቱ ኣበርክቶ ኣሎዎ እዩ።

ነቲ መዝገብ-ተሓካማይ ብተወሳኺ ኣገዳሲ ዝገብሮ ነገር ድማ፤ እንተ ደኣ፡-

  • ንስኻ ብዛዕባ ’ቲ ክንክን-ሕማም ርእይቶ ኣልዩካን፤ መጽናዕቲ ንኽግበር ውን ኣድላዪ ኰይኑ ተረኺቡ
  • ነቲ ሕክምናዊ-ንጥፈታት ንምምዕባልን ንምክትታልን፤ ኣድላይነት ዘሎዎ ኰይኑ ተረኺቡ
  • ኣብ ፍሉይ ኩነታት፡ ንስነ-ምርመራዊ ዕላማ ንኽትጥቀመሉ፡ ኣድላዪ ኰይኑ ተረኺቡ እዩ።

ኩሎም እቶም “ምዝጉባት” (legitimerad) ሰራሕተኛታት ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን፤ ናይቲ ሕማም ዘሎዎም ርድኢትን፡ ዝወሰድዎ ሕክምናዊ-ስጉምቲን ወዘተ፤ ኣብዚ መዝገብ-ተሓካማይ ከስፍርዎ ይግባእ። ገለ ካልኦት፡ “ምዝጉባት” ዘይኰኑ ሞያውያን ሰራሕተኛታት ውን፤ መዝገብ-ተሓካማይ የዳልዉ እዮም። እዚኣቶም ድማ ንኣብነት፡ ከም ኣማኸርቲን (kuratorer)፡ ተሓጋገዝቲ ናይቶም “ምዝጉባት” ሰራሕተኛታት፤ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። 

መሰል ምንባብ መዝገብ-ተሓካማይ ብኢንተርነት

ንዓኻ ኣብ ኣውራጃ ቨስተርቦተን ዚርከብ ወረዳዊ-ባይቶ ክንክን-ሕክምና ዝተገብረልካ ሰብ፤ ካብቲ ናትካ መዝገብ-ሕክምናኻ ብኢንተርነት ጌርካ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ፡ ብ”ኤ-መንነት”

(e-legitimation) ተጥቒምካ ኣብ 1177.se ብምእታው፤ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ መዝገብ-ሕማምካ ድማ፤ እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን-ሕማም፡ ኣብቲ ናብኦም መጺእካሉ ዝነበርካ ጊዜ፤ ኣብ ሆስፒታል ደቂስካሉ ኣብ ዝነበርካ እዋን ወይ ውን ብቴሌፎን ናይ ዝገበርካዮ ርክብ፤ ዝጸሓፍዎ ጸብጻባት ኣብኡ ክተንብብ ኢኻ። ኣብ መጻኢ ጊዜ ውን ቀጺሉ፤ ነቲ ዝተላእከ መወከስታ-ሰንድን፡ ነቲ ዝተረኽበ መልሲ-መጽናዕቲታትን፤ ኣብኡ ክተንብብ ክትኽእል ኢኻ።  

ኣብዚ ናይ ሕጂ ጊዜ፤ እቲ ብኢንተርነት ክተንብቦ ትኽእል፤ እቲ ካብ 2001 ጀሚሩ ዝተመዝገበ መዝገብ-ተሓካማይ ‘ዩ። እቲ ቅድሚኡ ዝተጻሕፈ መዝገብ-ተሓካማይ ግን፤ ኣብ ወረቐት ጥራይ ሰፊሩ ክጸንሕ ‘ዩ። እቲ ኣብ “ስነ-ኣእምሮኣዊ ገበንነት” ወይ ኣብ ናይ ዓበይቲን፡ ቆልዑን-መንእሰያትን ስነኣእምሮኣዊ ሕክምና ወይ ኣብ ጀነቲካዊ ምርምር--ሕክምና፤ ከምኡውን ኣብ መቐበል-መንእሰያት ዘሎ መዝገብ-ተሓከምቲ ግን፤ ብ“ኤ-መንነት” ጌርካ ኣብ ኢንተርነት ክተንብቦ፤ ሕጂ ውን እንተዀነ ኣይክኣልን እዩ።

እቲ ኣብ ወረቐት ዘሎ መዝገብ-ተሓከምቲ

እቲ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ዘሎ መዝገብ-ሕክምናኻ ክተንብቦ ምስ ትደሊ፤ ምስቲ ዝተሓከምካሉ ቦታ ርክብ ብምግባር ክትፍጽሞ ትኽእል ኢኻ። ናብኣቶም ስልኪ ብምድዋል ወይ ደብዳበ ብምጽሓፍ፤ ናይቲ ዝተሓከምካሉ መዝገብ-ሕክምናኻ ክተንብቦ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። እቲ ዚምልከቶ ክንክን-ሕማም፤ ኣብቲ ክገብሮ ዚኽእለሉ ዝቐልጠፈ ጊዜ፤ መልሲ ክህበካ ግዴታ ኣሎዎ እዩ። እንተ ደኣ እቲ መልሲ ናይ ምሃብ ጊዜ ኣጸቢቑ ተመጢጡ፤ ናብቲ ኣካይዲ-ስራሕ ናይቲ ንጥፈታት ክተመክት ትኽእል ኢኻ። 

መዝገብ-ተሓከምቲ ኣብ ዘይወሃበሉ ጊዜ

እቲ ናይ ክንክን-ሕማም ምምሕዳር፤ እቲ መዝገብ-ተሓከምቲ ክወሃበካ ከፍቅድ እንተ ዀይኑ፤ ኣቐዲሙ ነናይ ውልቅኻ ገምጋም፤ ኩሉ ጊዜ ይገብር እዩ። ንኣብነት እቲ ሓላፍነት ዘሎዎ ሓኪም፤ ሓደ ዚዕንቅጾ ከቢድ መድሃኒታዊ ምኽንያት ኣሎ ኢሉ እንተ ኣሚኑ፤ ንምንባቡ ከም ትኽልከል ክገብር ይኽእል ‘ዩ። ከምኡ ዘጋጥም ሳሕቲ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ‘ዩ። እንተ ኣጋጢሙ ውን፤ ዝበዝሐ ጊዜ ኣብ ናይ ስነኣእምሮኣዊ ክንክን-ሕክምናታት እዩ።

እቲ መዝገብ-ተሓካማይ ዝተሓለወ ’ዩ

ነቲ ናትካ መዝገብ-ተሓካማይ ንኸንብቦ መሰል ኪወሃቦ ዚኽእል፤ እቲ ሓካሚኻ ሰብ ወይ ብኻልእ ናይ ክንክን-ሕማም ስርሑ ምኽንያት፤ እቲ ሓበሬታ ‘ቲ ዘድልዮ ሰራሕተኛ ጥራይ ’ዩ።  

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ሓደ ሰራሕተኛ ንመዝገብ-ተሓካማይ ከፊቱ ኣብ ዚርእየሉ ኩነታት፤ ኣብቲ መዝገብ ምልክት ይተሓዝ ‘ዩ። ስለዚ ድማ፡ መን፡ ኣበየናይ እዋን፡ ሓደ ሰራሕተኛ ክንክን-ሕማም፤ ኣብ ናትካ መዝገብ-ተሓካማይ ኣትዩ ከም ዘንበበ፤ ሓቲትካ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ኣበየናይ ኣጋጣሚ ሓደ ሰብ ኣትዩ ኣብ ናትካ መዝገብ-ተሓካማይ ከም ዝረኣየ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ትደሊ፤ ኣብቲ ዝተሓከምካሉ ቦታ ኬድካ፤ ነቲ “ጸብጻብ ኣተውቲ-መዝገብ”(loggutdrag) ዚበሃል ወረቐት ክወሃበካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣቀራርባ “ጸብጻብ ኣተውቲ-መዝገብ”፤ ንስኻ ክተንብቦ ብትኽእል ኣገባብ ክዳሎን፤ ኣየናይ ናይ ሕክምና ኣሃዱ፡ ነቲ መዝገብ-ተሓካማይ ኣትዩ ከም ዘንበቦን፤ መዓስ ከም ዘንበቦን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።  

ዝተወሃሃደ ኣተሓሕዛ መዝገብ-ተሓካማይ

ዝተወሃሃደ ኣተሓሕዛ መዝገብ-ተሓካማይ ማለት፤ ነንበይኖም ዝዀኑ ወሃብቲ ክንክን-ሕማም፤ ንኣብነት ሓደ ክፋል ካብ ወረዳዊ-ባይቶ፡ እቲ ካልእ ክፋል ድማ ካብ ግላዊ ክንክን-ሕማም፤ ኣብቲ ናትካ መዝገብ-ተሓካማይ ዘሎ ሓበሬታ፤ ኣብ ሓድሕዶም ክለዋወጡ ምስ ዚኽእሉ እዩ። ኣብ ሓደ ሓድሽ ክንክን-ሕማም ሕክምና ምስ ትጅምር፤ እቶም ሰራሕተኛታት ንኣብነት፤ ነቲ ቅድም ተዋሂቡካ ዝነበረ መልሲ-መጽናዕቲታት፤ ክትወስዶ ንዝጸናሕካ መድሃኒታትን ሕክምናታትን፤ ክርእይዎ ይኽእሉ እዮም።

እቶም ናይ ክንክን-ሕማም ሰራሕተኛታት፤ ሓበሬታ ካብቲ መዝገብ-ተሓካማይካ፤ ምስ ካልኦት ወሃብ-ሕክምና ይማቐልዎ ከም ዘሎዉ፤ ክሕብሩኻ ይግባእ እዩ። ንስኻ፡ እቲ ናትካ መዝገብ-ተሓካማይ፤ ንኻልኦት ወሃብቲ-ሕክምና ክፉት ክኸውን ኣይደልን’የ ንኽትብል፤ መሰል ኣሎካ።

እቲ ወሃብ-ሕክምናኻ፤ ካብቲ መዝገብ-ተሓካማይካ ናይ ካልእ ክንክን-ሕማም ሓበሬታ ከምጽእ ምስ ዚደሊ፤ ንስኻ ከም ተሓካማይ መጠን፤ ክትሕተትን ፍቓድካ ክትህብን ይግባእ እዩ። 

ሓበሬታ ክትዓጹ ምስ ትደሊ

ገለ ካብቲ ኣብ መዝገብ-ተሓካማይ ዘሎ ሓበሬታታት፤ ኣብቲ ዝተወሃሃደ ኣተሓሕዛ መዝገብ-ተሓካማይ እትዊ ንኸይከውን ክትጽዓዎ ምስ ትደሊ፤ ካብ Din journal “መዕጸዊ-ሓበሬታ ኦርኒክ” ክትሓትም ትኽእል ኢኻ።

እንተ ደኣ ነቲ መዝገብ-ተሓካማይካ ንኻልኦት ወሃብቲ-ሕክምና ዕጽዊ ጌርካዮ፤ ከንብብዎ ኣይክኽእሉን እዮም። ሽዑ ድማ ንስኻ፡ ነቶም ሓደስቲ ወህብቲ-ሕክምናኻ፤ እቲ ክፈልጥዎ የድልዮም ‘ዩ እትብሎ ሓበሬታታት፤ ባዕልኻ ክትነግሮም ከድልየካ ‘ዩ። እቲ ምዕጻው-ሓበሬታ እንተ ተጌሩ ግን፤ እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን-ሕማም፤ ምሉእ ስእሊ ናይቲ ሃለዋትካ ክረኽቡ ኣይክኽእሉን እዮም። እዚ ድማ፡ ንድሕነት ናይቲ ተሓካማይ ዘተኣጓጕልን፤ ንውጽኢት ናይቲ ክንክን-ሕማምን ኣተሓሕዛ ሕክምናኻን ውን ክጸልዎ ዚኽእል እዩ። ሰራሕተኛታት ክንክን-ሕማም፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ንስኻ ፍቓድካ ከይሃብካ እንከሎኻ ውን፤ ካብቲ መዝገብ-ተሓካማይካ ሓበሬታ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ከገልግል ዚኽእል ግን፤ ንኣብነት ኣብቲ ሃለዋትካ ዘይትፈልጠሉ እዋናት እዩ። 

To the top of the page